Välj språk här Välj språk här

Tigrinja

ፍርቂ ቈጽሊ ወረቐት

እታ መጐዓዓዚት ማኪና ናይ መወዳእታ ጽዕነታ ሒዛ ምስ ከደት፤ እቲ ኣብ’ታ ገዛ

ተኻርዩ ዝነበረ፡ ኣብ ቆቡዑ ናይ ሓዘን ምልክት ዝገበረ መንእሰይ፤ገለ ነገር ረሲዑ

ከይከውን፡ ነታ ገዛ ተመሊሱ ረኣያ። እንተዀነ፡ ዋላ ሓደ ነገር ዝረሰዖ ኣይነበሮን።

ናብቲ ኮሪዶር ውጽእ ኢሉ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ’ዛ ገዛ ዝተጋጠሞ ነገር ፈጺሙ ኪሓስብ

ከምዘይደሊ መሓለ። ግን ኣብቲ ኮሪዶር፡ጥቓታ ተለፎን፡በብዓይነቱ ጽሕፈት ዘሎዋ፡

ገሊኡ ብቀለም ገሊኡ ከኣ ብርሳስ ወይ ብቐይሕ ቀለም ዝተሓናጠጣ ሓንቲ ፍርቂ

ቈጽሊ ወረቐት ተጠቂዓ ነበረት። ኣብኣ እዚ ጽቡቕ ዛንታ – ኣብ ውሽጢ እዘን ክልተ

ዓመታት- ኣብ ሓጺር ግዜ ተመዝጊቡ ኣሎ። ዋላ እቲ ኪርስዖ ዚደሊ’ውን ተጻሒፉ

ኣሎ። እቲ ንሓደ ወዲ ሰብ ኣብ ህይወቱ ዘጓነፎ ነገራት ኢዩ ኣብ’ዛ ሓንቲ ፍርቂ ቈጽሊ

ወረቐት ተጠቒሱ ዘሎ።

ነታ ብብርሃን ጸሓይ ዝሃሰሰት እትመስል ወረቐት ኣውሪዱ ጥምት ኣቢሉ፡ ኣብ’ቲ

ልዕሊ እቶን ዘሎ ማርሞ ኣቐመጣ። ኣብኡ ተጸጊዑ ከኣ ኣንበባ። መጀመርያ ስማ

ተጻሒፉ ነበረ – ኣሊስ፡ ንዕኡ ኣብ ዓለም እታ ዝተፈትወት ስም ኢያ። ምኽንያቱ ከኣ

ስም እታ ሕጽይቱ ኢያ። ምስኡ ከኣ ቍጽሪ 151፡1 ኣሎ። እዚ ከኣ ከም’ቲ ኣብ

ቤተክርስትያን ዘሎ ቍጽሪ መዝሙር ይመስል። ኣብ ትሕቲኡ ባንክ ዚብል ተጻሒፉ

ኣሎ። ስራሑ ኣብ ባንክ ኢዩ። እቲ ንመግቢ፡ ንቤት፡ ንሰበይቲ ንህይወት መሰረታዊ

ዚኸውን ቅዱስ ስራሕ። ግን እቲ ባንክ ዚብል ጽሑፍሲ ተሰሪዙ ኣሎ። ምኽንያቱ ከኣ

እቲ ባንክ ስለ ዝተዓጽወ ኢዩ። ግን ድሕሪ ናይ ሓጺር ግዜ ሻቕሎት፡ኣብ ካልእ ባንክ

ብምእታው ካብ ጸገም ድሒኑ ኢዩ።

ጁባኡ ብገንዘብ መሊኡ፡ ዕንባባ ዝገዝኣሉ፡ ብካሮሳ ዝኸደሉ፡ ሕጸ ዝገብረሉ፡ጥዑም

እዋን’ዩ መጺኡ።

ኣቍሑ ገዛ ገዚኦም፡ ገዛኦም ዜጸባብቑሉ እዋን’ዩ ኰይኑ። እቲ ወኪል ቤት

ጽሕፈትን’ውን ናብ’ዚ ግዒዙ ኣሎ፡እቲ ቍጽሪ 50፡50 ዘሎዎ ናይ ቲኬት ቤት

ጽሕፈት’ውን ና’ብዚ ቀይሩ ኣሎ። ንሳቶም ሓደስቲ ምርዑዋት ኢዮም። ሰንበት ሰንበት

ከኣ ናብ ኦፐራ ይኸዱ። ኣብኡ ብጽሞና ኮፍ ኢልካ፡ በቲ ስግር መጋረጃ ዘሎ ጥዑም

ዛንታ ዝዝንተወሉ ዓዲ ምስማዕ፡ እቲ ዘበለጸ ግዜ ናታቶም’ዩ።

ካብ’ዚ ቀጺሉ ስም ሓደ ሰብኣይ ተሰሪዙ ኣሎ። እዚ ኣብ ግዜ ንእስነቱ ዓርኩ ዝነበረ፡

ኣብ’ቲ ሕብረተሰብ ልዕል ዝበለ ደርጃ ዝበጽሐ ሰብኣይ ኢዩ ነይሩ። እንተኰነ ግን

ጽጋብ ሰርኒቑዎ ዝወደቐ’ሞ ዓዱ ገዲፉ ናብ ርሑቕ ቦታ ኪኸይድ ዝተገደደ ኢዩ።

ኣብ፥ዚ ከኣ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ሓድሽ ነገር ተፈጢሩ ይርአ። እዚ ድማ፡

ብጽሕፈት ጓለንስተይትን ብርሳስን ዝተጻሕፈ፡ “ሰበይቲ” ኣየነይቲ ሰበይቲ ኢያኸ?

እወ! እታ ዓቢ ካቦት እትገብር፡ ፍሕሽው ገጽ ዘሎዋ፡ቀስ ኢላ ትመጽእ፡ ብሳሎን

ፈጺማ ዘይትሓልፍ፡ በቲ ኮሪዶር ሓሊፋ ትኽ ኢላ ናብ መደቀሲ እትኣቱ ሰበይቲ

ኢያ።

ኣብ ትሕቲ ስማ ዶክቶር ኤል ዚብል ጽሑፍ ኣሎዎ።

ኣብ’ዚ፡ ንመጀመርያ ግዜ ስም ናይ ሓደ ዘመድ ይለዓል። “ማማ” ዚብል ኢዩ። እታ

ነቶም ሓደስቲ ምርዑዋት ከይትርብሾም ኢላ ተኸዊላ ዝነበረት ሓማት ኢያ። ሕጂ ግን

ንህጹጽ ጕዳት ኢያ ተጸዊዓ። ኣድላዪት ስለ ዝዀነት ከኣ ደስ እናበላ ኢያ መጺኣ።

እቲ ሰማያውን ቀይሕን ሕንጣታት ኣብ’ዚ ይጅምር። ቤት ጽሕፈት ኮሚሽን፤ እታ

ሰራሕተኛ ቀይራ ኣላ ወይ ሓዳስ ክትቍጸር ኢያ። ቤት መድሓኒት፡ እህም!

ጸልሚቱ’ሎ። እንዳ ጸባ፡ ካብ’ዚ ጽሩይ ጸባ ይእዘዝ።

ዕዳጋ ቀመም፡ ሓራድ ስጋ ወዘተ… ስራሓት እቲ ቤት ብቴለፎን’ዩ ዚካየድ ዘሎ። እታ

ኣላዪት ቤት ከኣ ኣብ ቦታኣ የላን። ኣብ ዓራታ ደቂሳ ኣላ።

ነቲ ካብ’ዚ ቀጺሉ ዘሎ ግን ኬንብቦ ኣይከኣለን። ዓይኑ ኪጽልምቶ ጀመረ። ከም’ቲ ኣብ

ባሕሪ ዝጥሕል’ሞ ኣብ’ቲ ማይ ኪርኢ ኢሉ ዓይኑ ዝኸፈተ ኰነ። ግን ኣብ’ቲ ቤት

ጽሕፈት መቓብር ዚብል ኣሎ።

እወ ይዛረብ’ዩ! – ዝዓበየ ወይ ዝነኣሰ ሳንዱቕ፡ ኣብ ሓጹር ከኣ ካብ ደሮና ዚብል

ተጻሒፉ ኣሎ። ብድሕሪኡ ካልእ ጽሑፍ የለን። ደሮና ብዚብ ኢዩ ወዲኡ። ከምኡ

ከኣ’ዩ።

ነታ ወረቐት ስዕም ኣቢሉ ኣብ’ታ ኣብ ኣፍልቡ ዘላ ጁባ ኣቐመጣ።

ብኽልተ ደቓይቕ፡ ክልተ ዓመት ናብ ህይወቱ ኣሕለፈን።__

 

översatt av modersmålslärare Minya Tseggay